Skip to main content

ስነ ጥበብ

ደስ ዘብል ግጥምን ደርፍን

ሓንስ ባህ ኢልዎ

ንፋስ  ሸበበ ብኩሉ መኣዝን 
እንትይ ኢዩ  ኢለ ሓቲተ ነቲ በዓል መኣዝን 
ጥዑም ወረ ጎስዐ እንክሓንን
ደቂ ሓንስ መስቀለ ሰብ መቕሰን
ኢድ  ንኢድ ጨቢጦም ኣተው ንውሽጢ ካብ ወሰነ ወሰን
ሓንስ ባህ ኢልዎ ባህጉ ረኺብዎ
ከም እቲ ናይ ሰማይ ኣቦ መብጽዓ ንኣብራሃም ንኢሳቕ ተስፋ ዝሃቦ 
ሓንስ ድማ እንሆ ብደቁ ኣብዚ ረኺብዎ።

ረዘነ በርሀ    18/09/2017

_______________________________________________________________________

ሽልማት ንማርያማት

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ
ገነት፡ ጸጋ፡ ትብለጽ፡ ሳራ ፡
ማርያማት ደብረሲና፡  ዮርሳለም፡ ሰባ፡
ካልኦት ምኡዝ ስመን መስቀላይ ኣማእኪለን።

ሸማሙንትና መርሃዊ፡ ዮናስ፡ ተስፋልደት ሸሊሞምወን

ደብሮም ኣንጎላ ኣቦ ዳሶም ኣማዕሪግወን።

ጓል ከንቲብ  ሓንስ ወርቂ ይግባኣ፡

ካብ ማእከል ወሰን፡ ካብ ወሰን ንማእከል ቀሊሳ፡
ዝተታኸሰ ነቕኒቓ፡
ብርኪ ዝዓጸፈ ጸዊዓ፡
ገስጊሳ ዓወት ዓቲራ፡
ዕልል!!! ኢላ ኣብ ማእከል ኣያታታ ኣሕዋታ ማሚቓ፡ ወቂባ፡
ኣየ ወ ዘይንሳ ደኣ መቐረት ዓዲ ኣቦኣ፡
ሽልማት ወውሕዱ ካልእ ዩ ዝግባኣ።

ረዘነ በርሀ       16/9/2017

Comments

ቀዳመይቲ ፡ ምሕረት ክፍላይ ሳራ ሃይለን ገነት በይንን ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ ሞ፡ እስከ መን ካልኣይ መነን ከ ሳልሳይ ትወጽእ ትኸዉን፧ እንድዒ፨፨፨

ሽንግርዋ መን ትዕወት ትብል/ሊ፧

Popular posts from this blog

ሕቶን መልስን

ክንደይ መርሃዊታት ኣለዉና ኣብ እንዳ ከንቲባ፧ ስመዮም መልሲ 11 መርሃዊ ሃይለ መርሃዊ ይሕደጎ መርሃዊ ብርሃነ መርሃዊ ተስፋዝጊ መርሃዊ ግርማጼን መርሃዊ ወልዳይ መርሃዊ ሃብታይ መርሃዊ ቀሺ ተኽላይ መርሃዊ በርሀ መርሃዊ በይን መርሃዊ ሃለቃ ወልደሃንስ "ብጀካ ወዲ ዓዲ ሓንስ ዝይድንግጽ የለን" ዝብል ኣበሃህላ መሰረቱ እንታይ ኢዩ፧ መልሲ ኣብዛ ሕጂ ከውሒ ርድኣናዝጊ ትበሃል ዘላ ሓደ ንደቂ ከንቲባ ሕማቕ ዝገብረ ሰብ ብደቂ ከንቲባ ሓንስ ኣብ ቆልቋል ተኣሲሩ ነብረ ሞ፡ ተኣሲሩ ደቂ ዓዲ ሓንስ ቆልቋል ከውድቕሉ ኣብ ዝዳለውሉ ዝነብርሉ ግዚ ብጫዕርኒ ዝምጹ ዝነብሩ ኣጋይሽ ነቲ ኩነታት ብምሕታት "ብጀካ ወዲ ዓዲ ሓንስ ዝይድንግጽ የለን" ብምባል ተዛረቡ። ክልተ በረኽቲ ቦታታት ናይ ዓድና ባና መብራህቲ ኣስመራ ደሚቑ ዝረኣየለን መነ መን ኢየን፧ መልሲ

ምስሊ ገደና ዓድናን ኣባዓዕላ መስቀል ዓቢ ኣብ መላእ ዓለምን ፡ ደቂ ዓዲ ሓንስ

ሽልማት ንማርያማት!!!

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ገነት፡ ጸጋ፡ ትብለጽ፡ ሳራ ፡ ማርያማት ደብረሲና፡  ዮርሳለም፡ ሰባ፡ ካልኦት ምኡዝ ስመን መስቀላይ ኣማእኪለን። ሸማሙንትና መርሃዊ፡ ዮናስ፡ ተስፋልደት ሸሊሞምወን ደብሮም ኣንጎላ ኣቦ ዳሶም ኣማዕሪግወን። ጓል ከንቲብ  ሓንስ ወርቂ ይግባኣ፡ ካብ ማእከል ወሰን፡ ካብ ወሰን ንማእከል ቀሊሳ፡ ዝተታኸሰ ነቕኒቓ፡ ብርኪ ዝዓጸፈ ጸዊዓ፡ ገስጊሳ ዓወት ዓቲራ፡ ዕልል!!! ኢላ ኣብ ማእከል ኣያታታ ኣሕዋታ ማሚቓ፡ ወቂባ፡ ኣየ ወ ዘይንሳ ደኣ መቐረት ዓዲ ኣቦኣ፡ ሽልማት ወውሕዱ ካልእ ዩ ዝግባኣ። ረዘነ በርሀ       16/9/2017