Skip to main content

ሽልማት ንማርያማት!!!

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ
ገነት፡ ጸጋ፡ ትብለጽ፡ ሳራ ፡
ማርያማት ደብረሲና፡  ዮርሳለም፡ ሰባ፡
ካልኦት ምኡዝ ስመን መስቀላይ ኣማእኪለን።

ሸማሙንትና መርሃዊ፡ ዮናስ፡ ተስፋልደት ሸሊሞምወን
ደብሮም ኣንጎላ ኣቦ ዳሶም ኣማዕሪግወን።

ጓል ከንቲብ  ሓንስ ወርቂ ይግባኣ፡
ካብ ማእከል ወሰን፡ ካብ ወሰን ንማእከል ቀሊሳ፡
ዝተታኸሰ ነቕኒቓ፡
ብርኪ ዝዓጸፈ ጸዊዓ፡
ገስጊሳ ዓወት ዓቲራ፡
ዕልል!!! ኢላ ኣብ ማእከል ኣያታታ ኣሕዋታ ማሚቓ፡ ወቂባ፡
ኣየ ወ ዘይንሳ ደኣ መቐረት ዓዲ ኣቦኣ፡
ሽልማት ወውሕዱ ካልእ ዩ ዝግባኣ።

ረዘነ በርሀ       16/9/2017


Comments

ቀዳመይቲ ፡ ምሕረት ክፍላይ ሳራ ሃይለን ገነት በይንን ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ ሞ፡ እስከ መን ካልኣይ መነን ከ ሳልሳይ ትወጽእ ትኸዉን፧ እንድዒ፨፨፨

ሽንግርዋ መን ትዕወት ትብል/ሊ፧

Popular posts from this blog

ምዕባለታት ኣብ ዓዲ: ስእልን ቪድዮን

ምስሊ ገደና ዓድናን ኣባዓዕላ መስቀል ዓቢ ኣብ መላእ ዓለምን ፡ ደቂ ዓዲ ሓንስ