Skip to main content

ተሓበኒ ዓደይ

ተሓበኒ  ዓደይ
ዮናስ ፍረዝጊ


ኣንጊሆም ተሲኦም ደቅኺ  ገስጎሶም
ክብርኪ  ክመልሱ ሓዘንኪ ክድቡሱ
ዝሓመመ  ልብኺ ክፍውሱ
ዝዓርቐ  ዝባንኪ ክኸድኑ
  ዓደየ ውሑድ ኣይቆዘምኪን ብውሽጢ  ልብኺ
  መዛረቢ ካሊኦት ኮንኪ ውላድ መካን ተባሂልኪ     
  ላም ሓዊ ወልደት ከይትልሕሶ ነደደት
  ከይቲገድፎ ወልደት ኮይንኪ

ሕጂ  ጊን ዓደየ ኩርዒ ተሓበኒ
ደስ ይበልኪ ኣፍ ልብኪ ንፍሒ
ተሲኦም’ዮም ተበራቢሮም ሙዑታት ደቅኺ

    እቲ ዝሓለፈ  ጃሊፉ’ዩ ዉሕጅ ይሰዶ
     ዘለና ንዛተ መሬት ከረፈደ
     ኢሉ ነቂሉ ውሉድኪ ኩሉ ዝተሰደ

ብሓንቲ  ድምጺ whatsapp  ኩሉ ተነጊሩ
ብሓንሳብ ተሲኡ  ኣለኹልኪ ኢሉ
ለካ ለካ’ቲ  ድልየትስ ኣብ ውሽጡ’ዩ  ኔሩ ተደጊሉ

      ዓደየ  ሽሻይ ክሕፈሶ ገደናኺ
       ኣብታይ ኪዕንድራ ኣብ ቅርዓትኪ
       እምባሕ እምባሕ ኪብላ ጥሪት ኣብ ደምቤኺ
       ነቂሉ ኣሎ ኩሉ  ውሉድኪ
      ክምቲ ናይ ቀደም ኪመልስ ኪብርኺ

ዝተናሕጎገ  መሬትና ኪንድልድል
ዝበረሰ   ኣግራብና  ኪንተኪል
ሃየ  ኣሕዋተይ  ኢደ ኢድካ ኒበል
ኣብዚ ቅዱስ መስቀል  መብጺዓ ንቀበል
ሃየ ኣሕዋተይ ሆየ  ሆየ ንበል
ኣብዚ ቅዱስ መስቀል መብጺዓ ንቀበል።

ዮናስ ፍረዝጊ
ስዊዝ

  26/09/2017

Comments

ቀዳመይቲ ፡ ምሕረት ክፍላይ ሳራ ሃይለን ገነት በይንን ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ ሞ፡ እስከ መን ካልኣይ መነን ከ ሳልሳይ ትወጽእ ትኸዉን፧ እንድዒ፨፨፨

ሽንግርዋ መን ትዕወት ትብል/ሊ፧

Popular posts from this blog

ምስሊ ገደና ዓድናን ኣባዓዕላ መስቀል ዓቢ ኣብ መላእ ዓለምን ፡ ደቂ ዓዲ ሓንስ

መደበር ሬድዮ ከንቲባ ሓንስ ካብ ሽወደን

ኣዳላዊ፥ 1)  ዑቕባዝጊ ባይረ  (29/9/2017) 2)  ዑቕባዝጊ ባይረ  (26/9/2017)