ተሓበኒ ዓደይ
ብዮናስ ፍረዝጊ
ብዮናስ ፍረዝጊ
ኣንጊሆም ተሲኦም ደቅኺ ገስጎሶም
ክብርኪ ክመልሱ ሓዘንኪ ክድቡሱ
ዝሓመመ ልብኺ ክፍውሱ
ዝዓርቐ ዝባንኪ ክኸድኑ
ዓደየ ውሑድ ኣይቆዘምኪን ብውሽጢ ልብኺ
መዛረቢ ካሊኦት ኮንኪ ውላድ መካን ተባሂልኪ
ላም ሓዊ ወልደት ከይትልሕሶ ነደደት
ከይቲገድፎ ወልደት ኮይንኪ
ሕጂ ጊን ዓደየ ኩርዒ ተሓበኒ
ደስ ይበልኪ ኣፍ ልብኪ ንፍሒ
ተሲኦም’ዮም ተበራቢሮም ሙዑታት ደቅኺ
እቲ ዝሓለፈ ጃሊፉ’ዩ ዉሕጅ ይሰዶ
ዘለና ንዛተ መሬት ከረፈደ
ኢሉ ነቂሉ ውሉድኪ ኩሉ ዝተሰደ
ብሓንቲ ድምጺ whatsapp ኩሉ ተነጊሩ
ብሓንሳብ ተሲኡ ኣለኹልኪ ኢሉ
ለካ ለካ’ቲ ድልየትስ ኣብ ውሽጡ’ዩ ኔሩ ተደጊሉ
ዓደየ ሽሻይ ክሕፈሶ ገደናኺ
ኣብታይ ኪዕንድራ ኣብ ቅርዓትኪ
እምባሕ እምባሕ ኪብላ ጥሪት ኣብ ደምቤኺ
ነቂሉ ኣሎ ኩሉ ውሉድኪ
ክምቲ ናይ ቀደም ኪመልስ ኪብርኺ
ዝተናሕጎገ መሬትና ኪንድልድል
ዝበረሰ ኣግራብና ኪንተኪል
ሃየ ኣሕዋተይ ኢደ ኢድካ ኒበል
ኣብዚ ቅዱስ መስቀል መብጺዓ ንቀበል
ሃየ ኣሕዋተይ ሆየ ሆየ ንበል
ኣብዚ ቅዱስ መስቀል መብጺዓ ንቀበል።
ዮናስ ፍረዝጊ
ስዊዝ
26/09/2017
Comments
Post a Comment