Skip to main content

Posts

Showing posts from September, 2017

ሕቶን መልስን

ክንደይ መርሃዊታት ኣለዉና ኣብ እንዳ ከንቲባ፧ ስመዮም መልሲ 11 መርሃዊ ሃይለ መርሃዊ ይሕደጎ መርሃዊ ብርሃነ መርሃዊ ተስፋዝጊ መርሃዊ ግርማጼን መርሃዊ ወልዳይ መርሃዊ ሃብታይ መርሃዊ ቀሺ ተኽላይ መርሃዊ በርሀ መርሃዊ በይን መርሃዊ ሃለቃ ወልደሃንስ "ብጀካ ወዲ ዓዲ ሓንስ ዝይድንግጽ የለን" ዝብል ኣበሃህላ መሰረቱ እንታይ ኢዩ፧ መልሲ ኣብዛ ሕጂ ከውሒ ርድኣናዝጊ ትበሃል ዘላ ሓደ ንደቂ ከንቲባ ሕማቕ ዝገብረ ሰብ ብደቂ ከንቲባ ሓንስ ኣብ ቆልቋል ተኣሲሩ ነብረ ሞ፡ ተኣሲሩ ደቂ ዓዲ ሓንስ ቆልቋል ከውድቕሉ ኣብ ዝዳለውሉ ዝነብርሉ ግዚ ብጫዕርኒ ዝምጹ ዝነብሩ ኣጋይሽ ነቲ ኩነታት ብምሕታት "ብጀካ ወዲ ዓዲ ሓንስ ዝይድንግጽ የለን" ብምባል ተዛረቡ። ክልተ በረኽቲ ቦታታት ናይ ዓድና ባና መብራህቲ ኣስመራ ደሚቑ ዝረኣየለን መነ መን ኢየን፧ መልሲ

ውድድር ደርፊ ሽንግርዋ - ሳራ ሃይለን ገነት በይንን ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ ሞ፡ እስከ መን ካልኣይ መነን ከ ሳልሳይ ትወጽእ ትኸዉን፧

ሳራ ሃይለን ገነት በይንን ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ ሞ፡ እስከ መን ካልኣይ መነን ከ ሳልሳይ ትወጽእ ትኸዉን፧ ኣብ ታሕቲ ናይ መምረጺ ቦታ ተዋሂቡ ኣሎ። መዓልቲ ከይተወደአ ከሎ ሕጂ ምረጽ። ተወዳደርቲ ከኣ  ጎስጓስ ኣብዛሓ።

ተሓበኒ ዓደይ

ተሓበኒ  ዓደይ ብ ዮናስ ፍረዝጊ ኣንጊሆም ተሲኦም ደቅኺ  ገስጎሶም ክብርኪ  ክመልሱ ሓዘንኪ ክድቡሱ ዝሓመመ  ልብኺ ክፍውሱ ዝዓርቐ  ዝባንኪ ክኸድኑ   ዓደየ ውሑድ ኣይቆዘምኪን ብውሽጢ  ልብኺ   መዛረቢ ካሊኦት ኮንኪ ውላድ መካን ተባሂልኪ        ላም ሓዊ ወልደት ከይትልሕሶ ነደደት   ከይቲገድፎ ወልደት ኮይንኪ ሕጂ  ጊን ዓደየ ኩርዒ ተሓበኒ ደስ ይበልኪ ኣፍ ልብኪ ንፍሒ ተሲኦም’ዮም ተበራቢሮም ሙዑታት ደቅኺ     እቲ ዝሓለፈ  ጃሊፉ’ዩ ዉሕጅ ይሰዶ      ዘለና ንዛተ መሬት ከረፈደ      ኢሉ ነቂሉ ውሉድኪ ኩሉ ዝተሰደ ብሓንቲ  ድምጺ whatsapp  ኩሉ ተነጊሩ ብሓንሳብ ተሲኡ  ኣለኹልኪ ኢሉ ለካ ለካ’ቲ  ድልየትስ ኣብ ውሽጡ’ዩ  ኔሩ ተደጊሉ       ዓደየ  ሽሻይ ክሕፈሶ ገደናኺ        ኣብታይ ኪዕንድራ ኣብ ቅርዓትኪ        እምባሕ እምባሕ ኪብላ ጥሪት ኣብ ደምቤኺ        ነቂሉ ኣሎ ኩሉ  ውሉድኪ    ...

ማሕበርና ማሕበር ስኒት ሰላም

ግጥሚ  ማሕበርና ማሕበር ስኒት ሰላም ብ ተኽለ ኣስራት

መደበር ሬድዮ ከንቲባ ሓንስ ካብ ሽወደን

ኣዳላዊ፥ 1)  ዑቕባዝጊ ባይረ  (29/9/2017) 2)  ዑቕባዝጊ ባይረ  (26/9/2017)

ዲጋና

ዝነጠበ ማይ ተኣኪቡ ዛርዩ ንዲጋና ከቢድዎ ንታሕቲ ዘሪቑ ነዚዑ ፈልፊሉ ዛርዩ ንምድሪ ሓንስ ኣጥሊሉ ጥዑም ፋሉ። ባህጊ ትራሕ ኣይኮነን ደቂ ሓንስ ሱባአን ሽብሸባን ኣትዮምሉ እንሆ ብርሃን ኣብ ማዕዶ ትርኢቱ ንጹር ዓወት የማዕዱ። ረዘነ በርሀ                                 22/9/2017

ሃንሰ መስቀለ

ሃንሰ መስቀለ  ሃብቶም ሕድሮም

ሆየ ንበል

ሆየ ንበል

ምስሊ ገደና ዓድናን ኣባዓዕላ መስቀል ዓቢ ኣብ መላእ ዓለምን ፡ ደቂ ዓዲ ሓንስ

ውድድር ደርፊ ሽንግርዋ

ውድድር  ደርፊ ሽንግርዋ ኣብ ሞንጎ እተን ካናሪ ድምጸን ኣሓትና  ተጀሚሩ ከምዘሎ ነበስር።   ተሳተፍቲ  ተሳተፍቲ ውድድር  ደርፊ ሽንግርዋ እዘን ዝስዕባ ኢየን። ሳራ ሃይለ ገነት በይን ምሕረት ክፍላይ ጸጋ ባይረ ኣዝመራ ብርሃነ ለተብርሃን ተስፋይ ራህዋ ቀቪ ፉቕረይ ትብለጽ ፍረወይኒ ቀሺ ኣኽሊል ማእዛ ቀሺ ኣኽሊል ኣልጋነሽ ብርሃነ ንግስቲ ልቻ ቀሺ ተኽላይ ሳባ ተክለሃይማኖት ኣኽበረት ዘርኦም ግደ  ተሳተፍቲ ዝያዳ ድምጺ ክረኽባ ምእንቲ ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ይደርፋ።  ትሕዝቶ ደርፊ ባህላዊ ወይ ዘመናዊ ኮይኑ ናይ ተወዳዳሪት ፈጠራ ወይ ድማ ናይ ካልኦት ዜማ ብምቕዳሕ ዝቐርብ ኮይኑ፡ ግጥሚ ግን ምስ ልምዓት ዓድና ብምትእስሳር ክቐርብ ኣለዎ። ተወዳደርቲ ንኣድመጽቲ ናይ ብልጫታተን  ብምግላጽ  ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ክገብራ ይኽእላ።    

ሓንስ ባህ ኢልዎ!!!

ንፋስ  ሸበበ ብኩሉ መኣዝን  እንትይ ኢዩ  ኢለ ሓቲተ ነቲ በዓል መኣዝን   ጥዑም ወረ ጎስዐ እንክሓንን ደቂ ሓንስ መስቀለ ሰብ መቕሰን ኢድ  ንኢድ ጨቢጦም ኣተው ንውሽጢ ካብ ወሰነ ወሰን ሓንስ ባህ ኢልዎ ባህጉ ረኺብዎ ከም እቲ ናይ ሰማይ ኣቦ መብጽዓ ንኣብራሃም ንኢሳቕ ተስፋ ዝሃቦ  ሓንስ ድማ እንሆ ብደቁ ኣብዚ ረኺብዎ። ረዘነ በርሀ    18/09/2017

ሽልማት ንማርያማት!!!

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ገነት፡ ጸጋ፡ ትብለጽ፡ ሳራ ፡ ማርያማት ደብረሲና፡  ዮርሳለም፡ ሰባ፡ ካልኦት ምኡዝ ስመን መስቀላይ ኣማእኪለን። ሸማሙንትና መርሃዊ፡ ዮናስ፡ ተስፋልደት ሸሊሞምወን ደብሮም ኣንጎላ ኣቦ ዳሶም ኣማዕሪግወን። ጓል ከንቲብ  ሓንስ ወርቂ ይግባኣ፡ ካብ ማእከል ወሰን፡ ካብ ወሰን ንማእከል ቀሊሳ፡ ዝተታኸሰ ነቕኒቓ፡ ብርኪ ዝዓጸፈ ጸዊዓ፡ ገስጊሳ ዓወት ዓቲራ፡ ዕልል!!! ኢላ ኣብ ማእከል ኣያታታ ኣሕዋታ ማሚቓ፡ ወቂባ፡ ኣየ ወ ዘይንሳ ደኣ መቐረት ዓዲ ኣቦኣ፡ ሽልማት ወውሕዱ ካልእ ዩ ዝግባኣ። ረዘነ በርሀ       16/9/2017

ምዕባለታት ኣብ ዓዲ: ስእልን ቪድዮን

ቀዳመይቲ ፡ ምሕረት ክፍላይ ሳራ ሃይለን ገነት በይንን ማዕረ ድምጺ ረኺበን ኣለዋ ሞ፡ እስከ መን ካልኣይ መነን ከ ሳልሳይ ትወጽእ ትኸዉን፧ እንድዒ፨፨፨

ሽንግርዋ መን ትዕወት ትብል/ሊ፧