ክንደይ መርሃዊታት ኣለዉና ኣብ እንዳ ከንቲባ፧ ስመዮም መልሲ 11 መርሃዊ ሃይለ መርሃዊ ይሕደጎ መርሃዊ ብርሃነ መርሃዊ ተስፋዝጊ መርሃዊ ግርማጼን መርሃዊ ወልዳይ መርሃዊ ሃብታይ መርሃዊ ቀሺ ተኽላይ መርሃዊ በርሀ መርሃዊ በይን መርሃዊ ሃለቃ ወልደሃንስ "ብጀካ ወዲ ዓዲ ሓንስ ዝይድንግጽ የለን" ዝብል ኣበሃህላ መሰረቱ እንታይ ኢዩ፧ መልሲ ኣብዛ ሕጂ ከውሒ ርድኣናዝጊ ትበሃል ዘላ ሓደ ንደቂ ከንቲባ ሕማቕ ዝገብረ ሰብ ብደቂ ከንቲባ ሓንስ ኣብ ቆልቋል ተኣሲሩ ነብረ ሞ፡ ተኣሲሩ ደቂ ዓዲ ሓንስ ቆልቋል ከውድቕሉ ኣብ ዝዳለውሉ ዝነብርሉ ግዚ ብጫዕርኒ ዝምጹ ዝነብሩ ኣጋይሽ ነቲ ኩነታት ብምሕታት "ብጀካ ወዲ ዓዲ ሓንስ ዝይድንግጽ የለን" ብምባል ተዛረቡ። ክልተ በረኽቲ ቦታታት ናይ ዓድና ባና መብራህቲ ኣስመራ ደሚቑ ዝረኣየለን መነ መን ኢየን፧ መልሲ